ሰሙናዊ ምባለታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ
- መግለፅን መብርህን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንሚድያታትን ኢምባሲታትን
- ግብረ መልሲ ካቢኔ ሰክሬተርያት ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ንግምት
- መግለፂ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ንሚድያታት
- ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኲናት ምውልዑ ከም ዘይተርፍ ምግላፆም
- ግብረ መልሲ መንግስቲ ኤርትራ ንሌ/ጀነራል ፅድቃን
- ስምምዕነት መንግስታት ኤርትራን ሱዑዲ ዓረብያን ኣብ ልምዓት ወደብ ዓሰብ
- ተቓውሞ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ው/ሕ/መንግስታት ኣብ ልዕሊ ሓዱሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን
- ሓበራዊ መግለፅን መብርህን ኣይተ ጌታቸው ረዳን ደ/ር ገድዮን ጢሞትዮስ ንሚድያታትን ኢምባሲታትን
ካብዚ ብተወሳኺ ፕዚደንት ግምት ዝኾኑ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኮይኖም ብዕለት 4ን 5ን መጋቢት 2017 ዓ/ም ንጋዜጠናታት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃብዎ መግልፅን ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዲፕሎማሰኛታትን ዝሃብዎ መብርህን እንትርኢ ድማ ብዋናነት ንኣብ ህወሓት ዘለዉ ኣመራርሓ ክኹንኑ ክብሉ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብውዕሊ ፕሪቶሪያ ብፂሒቱ ክፍፅም ድሉው ከም ዝነበረን እዚ ከይፍፀም ምኽንያት ዝኾነ ግን ስልጣን ክቆፃፀር ዝደለየ ጉጅለ እዩ ዕንቅፋት ኮይኑ ብዝብል እዩ ተገሊፁ። ካብቶም ኣብዚ ዝተለዓሉ ቁልፊ ሓሳባት ብሓፂሩ እንትግለፅ ነዚ ዝስዕብ ይመስሉ፦
- ፌደራል መንግስቲ በባዕሎም ይዋፅእዋ ብምባል ስኽ ኢሉ ክርኢ የብሉን ኢና ዝበልና እምበር ብዕሊ ትግራይ ብሓይሊ ክቆፃፀር ይእቶ ኣይበልናን፤
- መንግስቲ ፌደራል ምስ ነጠቕቲ ማሕተምን ውዕሊ ፕሪቶርያ ብምጥሓስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ዘፍርስን ጉጅለ ክደራደር የብሉን፤
- ውዕሊ ፕሪቶርያ ዘይተፈፀመሉ ምኽንያት ጥቕምና ክጉዳእ እዩ ብዝብሉ ሓይልታት ዝተፀመ ፀገም ምዃኑ፤
- ኣነ መንግስቲ ፌደራል ንተመዛበልቲ ናብ ቦትኦም ኣይተመለሱን እናበልኩ የማርር ነይረ። ሐዚ ኮይነ ክሪኦ ከለኹ ግን እቲ ፀገም ናይ ፌደራል ኣይኮነስ ናይ ባዕልና እዩ፤
- ኣብ ትግራይ ዳግመ ምጥያሽ ከይካየድን 175,000 ዕጡቕ ሓይሊ ተሃድሶ ወሲዱ ናብ ሕብረተሰብ ከይፅምበርን ዝገብር ዘሎ እዚ ስልጣን ደላይ ጉጅለ ምዃኑ፤
- ውልቀ ኣብ ታሕተዋይ ብርኪ ሓላፍነት ዘለዉ ኣዘዝቲ ሰራዊት ምስ ሻዕብያ ይራኸቡ እዮም። ኣብዚ ቦታ ዓሪድና ንብልፅግና ክንወግእ ኢና እናበሉ ዝማኸሩ ኣለዉ፤
- እቶም ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ንመንግስቲ ፌደራል ከም ፀላኢ እዮም ዝሪእዎ። ምስ ሻዕብያ ኮይኖም ብምውቃዕ ናይ ምድርዳር ዓቕሞም ከዕብዩ ይደልዩ እዮም፤
- ካብ ፌደራል ዝተለኣኸ ገንዘብ እናበልዐ ፀረ ውዕሊ ፕሪቶርያ ከይትግበርን ግዝያዊ ምምሕዳር ክፈርስን ዝሰርሕ ዘሎ ጉጅል ኣደብ ክሕዝ ስጉምቲ ይወሰደሉ፤
- “ኣነ ምውቕ ክብለኒ ከሎ ትግራይ ሃገር ክትከውን ኣለዋ ይብል ነይረ እየ። እንትኾነ ግን ምስ ሎሚ ዘሎ ነባራዊ ኩነታት እንትረአ ግን ክኸውን ዘይኽእል እዩ” ወዘተ ብምባል ገሊፆም።
ሚኒስተር ወፃኢ ጉዳይ ኢ/ያ ዶ/ር ገድዮን ጢሞትዮስ ብወገኑ ነቶም ኣምባሳደራት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ናይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንትግራይ ናብ ተቃላዕነት ዘእቱ ሓደገኛ መብርሂ ብስምምዕነት ፕረቶርያ መሰረት መንግስቲ ፌደራል ኩሎም ግቡኣቱ ፈፂሙ እዩ ክብል ብዝገለፆ መሰረት ከም ቁልፊ መረዳእትታ ብምጥቃም ፥ እቶም ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኢ/ያ ተመዛበልቲ ክምለሱ ካልኦት ውዕሊ ፕሪቶርያ መሰረት ዝገበሩ ስራሕቲ ዝሰራሕና እንትንኮን ፍንጫል ጉጅለ ሕወሓት የዕንቂፉና ክብሉ ገሊፆም።




- ግብረ መልሲ ካቢኔ ሰክሬተርያት ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ንግምት
ርክብ ህዝብን መንግትን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ፕረዚደንት ግምት ዝኾኑ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ኣብ ጉዳይ ቃልቃ ምእታው መንግስቲ ፌደራል ኣምልኪቶም ንዝሃብዎ መግለፅን ካቢኔ ሴክሪተርያት ሰላምን ፅጥታን ግብረ መልሲ ሂቡ እዩ። ዝርዝር ትሕዝቶ ብሓፂሩ እንትግለፅ ነዚ ዝስዕብ መስል፦
ኣብ ትግራይ እንተኻረረ ዝመፀ ፖለቲካዎ ፀገም ናብ ሓደጋ ፀጥታ ከይሰጋገር ንምፍታሕ ሰፋሕቲ ዋላ እንተተሰርሑ ካብ ድልየት ምስኣንን ምጥፍፋእ ምምራፅን ዝብገስ ከይሰመረ ተሪፉ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ፖለቲካዊ ኩነታትና በብእዋኑ ካሊእ መልክዕ እናሓዘ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ዝኸፍአ መከራ ዘእቱ ሓላፍነት ዝጎደሎ ተግባር ክፍፀም ፀኒሑ ሎሚ ቅነ ድማ ነቲ ፀገማትና ዘጋድድ ዘይንቡር ውሳነታትን ምግለፂታትን ይወሃቡ ኣለዉ። ፀገምና ውሽጣውን ካብ ናይ ደቂ ትግራይ ዓቕምን ዕቑር ጥበብን ንላዕሊ ዘይኮነ ብስኹን ልቦና ክፍታሕ ዝኽእል እናሃለወ ብቐረባ ምሳና ዝሰርሕ ዘሎ መዳርግትና መንግስቲ ፌደራል ነቲ ፀገም ክፈትሕ ኢልካ ናብ ትግራይ ጣልቃ ክኣቱ ምዕዳም ነቲ ፀገም ብዝበኣሰ ዘተሓላልኽን ናብ ዘየድሊ ጎንፂ ክንኣቱን ዝገብር እዩ። እዚ ድማ ነቲ ፀገም ደጋዊ መልክዕ ክሕዝን ክዓሙቕ ዝገብርን ምስ መንግስቲ ፌደራል ’ውን ምትእምማን ካብ ምጉዳእን ምጥርጣርን ሓሊፉ ዘይጠቅም ሓላፍነት ዝጎደሎ እዩ ክብል ብዕለት 04/07/2017 ዓ/ም ምላሽ ሂብሉ እዩ።
- መግለፂ ሌተናል ታደሰ ወረደ ንሚድያታት ትግራይ
ካቢኔ ሴክሬተርያት ሰላምን ፀጥታን ትግራይ ዝኾኑ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣድሂቦም ንሚድያታት ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ብሓፂሩ እንትግለፅ፣
- ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ዝኸረረ ፖለቲካዊ ምርእኣይ ስኽነት ብዘለዎ ኣገባብ ብምርድዳእ ክፍታሕ ይግባእ ምባሎም፤
- እቲ ዝውሰድ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕቲ ናይ ፅጥታ ፀገም ብዘይፈጥር ኣገባብ እዩ ዝፍፀም ዘሎ። ካብ ቁፅፅርና ዝወፀ ነገር ከም ዘየለ፤
- ሰራሕተኛ መንግስቲ ተረጋጊዑ ስርሑ ክፍፅም ኣለዎ። ካብ ዓዱ ክመዛበል ዘኽእል ነገር የለን እዩ፤
- ምስ ፌደራል ኲናት ክውላዕ ብዝብል ህዝብና ናብ ሻቕሎት ክቃላዕ ይረአ ኣሎ። ናብ ጎንፂ ዘእቱ ነገር የለን ክቐስን ይግባእ፤
- ብፕረዚደንት ግምት ንሚድያታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ከይምለሱ ተሓታቲ ትግራይ እያ ተባሂሉ ዝተገለፀ ሓሳብ ጌጋ እዩ። ነቲ ዕማም ከም መሪሕነት ተወዲብና ናይ ምምራሕ ፀገም ዋላ እንተነበረና ግቡኡ ዘይተዋፅአ ግን መንግስቲ ፌደራል እዩ፤
- ኣብ ልዕሊ ኣዘዝቲ ግንባራት ብፕረዚደንት ጌታቸው ዝተወሰደ ናይ እገዳ ስጉምቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ተግባር እዩ። ከመዚኦም ዝበሉ ውሳነታት መወዳእኦም ’ውን ኣይፍለጡን ነይሮም ክብሉ ንሚድያታት መብርሂ ሂቦም።
ምስዚ ብተዛማዲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዝተፈጠረ ጎንፂ ብልዝብ ክፈትሑ ሕብረት ኣፍሪካን ፋውንዴሽን ሰላም ኣውሮፓን ተማሕፂኖም እዮም። ካብዚ ብተወሳኺ ሕብረት ኣፍሪካን ልዕሊ 20 ዝኾና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከባ ኢምባሲታት ዝተፈላላያ ሃገራት ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ውድብ ህወሓትን ንውዕሊ ፕሪቶርያ ከይሸራረፉ ብምፍፃም ዘላቒ ሰላም ክሰፍን ክገብሩ ብኣፅንኦት ዝፀውዑ ’ውን ኣብዚ ሰሙን እዩ።

- ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኲናት ምውልዑ ከም ዘይተርፍ ምግላፆም
ሌተናል ጀነራል ፃድቃን፣ ኣብ ኣፍሪካን ሪፖርተር ዝተበሃለ ሚድያ ዘስፈርዎ ፅሑፍ ከምዚ ይብል። ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኲናት ምውልዑ ኣይቐርን። ነዚ መረጋገፂ ዝኸውን ብክልቲኦም ወገን ’ውን ሰፋሕቲ ወታሃደራዊ ምድላዋት ይግበር ኣሎ። እዚ ድማ ነቶም ንኲናት ዝደላለዩ ዘለዉ ሃገራት ውፅኢቱ ሓደገኛ ከም ዝኸውን፤ ኣብ ሱዳንን ደሕንነት ቀይሕ ባሕሪን ብቀጥታ ፅዕንቶ ክህልዎ እዩ፤ ከምኡ ’ውን ንመላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ናብ ዘይዛሪ ቅልውላው ክሳጣሕ ዝገብር ስለዝኾነ ማሕበረሰብ ዓለም ብቅልጡፍ ጣልቃ ኣትዩ ክፈትሖ ይግባእ። ኣብዚ ኣተሓሒዞም ከም ዝገለፅዎ ድማ እዚ ኲናት እንተዛዘም ኣብተን ሃገራት ናይ ጀኦግራፊ ለውጢ ከኽትል ይኽእል እዩ ኢሎም።
ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ ኤትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ምትሕብበባር ፈሪሱ ነንባዕለን ብፀእነት ዝረኣኣያን ኲናት ንምውላዕ ምድላዋተን እናጠናኸራ ይርከባ። እዚ ድማ ንትግራይ ዓውደ ኲናት ክትከውን ዝገብር እዩ።
ኣብ ትግራይ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዝወገነ ጉጅለን ሓይሊ ፀጥታን ኣሎ። እዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሓይሊ ምስ ሻዕብያ ተሓባቢሩ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምእላይ ዳሓር ድማ ንስርዓት ህግደፍ ከውግዶ እየ ኢሉ ሓሲቡ ይንቀሳቐስ ከም ዘሎ ገሊፆም።

- ግብረ መልሲ መንግስቲ ኤርትራ ንሌ/ጀነራል ፃድቃን
ኤርትራ፣ ብሚንስተር ጉዳይ ወፃኢኣ ኣቢላ ንፅሑፍ ሌ/ጀነራል ፃድቃን ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ “እዚ መርኣያ ደላይነት ኲናት መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ።” ክትብል ገሊፃቶ ኣላ። ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ሚንስተር ኢትዮጵያ ብሚድያታታ ገይራ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተኸታታሊ ናይ ኲናት ወፍሪታት ተካየድ ኣላ ብምባል ጥርዓን ዘቕረበትሉ ’ውን ኣብዚ ሰሙን እዩ ነይሩ።
- ስምምዕነት መንግስታት ኤርትራን ሱዑዲ ዓረብያን ኣብ ልምዓት ወደብ ዓሰብ
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ብመራኸቢ ሓፋሽ መዘራረቢ ኮይኑ ዝቐነየ ድማ ኣብ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሱዑዲ ዓረብያን ዝተፈፀመ ርክብ እዩ። እዚ ፍሉይ ቆላሕታ ክረክብ ዝገበሮ ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንወደብ ዓሰብ ካብ ኤርትራ ብሓይሊ ወሪረ ክቆፃፀር እየ እናበለ ኣጀንዳ ኣብ ዝገብረሉን መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ኩናት ቃላት ኣብ ዝወራወርሉን ግዜ ዝተኻየደ ርክብ ብምዃኑ እዩ።
ኤርትራ፣ ብወፃኢ ጉዳይ ሚንስተር ኤርትራ ዑስማን ሳሊሕ ኣቢላ መንግስቲ ሱዑዲ ዓረብያ ኣብ ወድብ ዓሰብ ክተልምዕ ዝተሓተተሉ እዩ ነይሩ። በዚ ’ውን ሱዑዲ ዓረብያ ነቲ ወደብ ንምልማዕ ብቢልዮናት ዶላር ዝቑፀር ፈሰስ ብምግባር ክተልምዕ ምስምዕማዓ ተገሊፁ።
ሱዑዲ ዓረብያ ኣብዚ እትፍፅሞ ምንቅስቓስ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ተዋሲኢት ክትከውን የኽእላ ማለት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣብ ኮሪደር ቀይሕ ባሕሪ ብዝለዓለ ብርኪ ይነጥፋ ንዘለዋ ሃገራት ከም በዓል ሕቡራ ዓረብ ኤሚሬትስ፣ ቱርክን ቻይናን ንክትናሕናሕ ዘኽእላ ዕድል ስለዝፈጥረላ እዩ።
እዚ ኣብ ወደብ ዓሰብ ብስዑዲ ክለምዕ ተባሂሉ ዘሎ ናይ ቢልዮናት ዶላር ኢንቨስትመንት ንውጥን ምውናን በሪ ባሕሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክኾልፍ ዝኽእል እዩ ክብል እቲ ብኦን ላይን ዝወፀ ሓበሬታ ይገልፅ።
ምስጥራዊ መረዳታት ከም ዝሕብርዎ እንተኾይኑ፣ ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንምውናን ወታሃደራዊ ሓይሊ ክትጥቀም ትኽእል እያ ብምባል ይሕብሩ። ይኹን እምበር ሱዑዲ ዓረብያ ናብ ወደብ ዓሰብ ብምእታዋ ኤርትራ ክግበረላ ብዝኽእል ድጋፍ ኣፅዋር ካብ ጥቕዓት ኢትዮጵያ ናይ ምክልኻል ዓቕማ ከጠናኽሮ እዩ። ከምኡ ’ውን ካብ ወደብ ብተረኽቦ ክራይ ኢኮኖሚኣ ንክዓቢ ረብሓ ኣለዎ። ካብዚ ዝብገስ ድማ ህንዱድ ድልየት ምውናን በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ኣየር በኒኑ ክተርፍ ክገብሮ እዩ። ከምኡ ’ውን ንተፃባኢ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ከቢድ ዋጋ ዘኽፍልን ፖለቲካዊ ክሳራ ዘስዕበላን ክኸውን እዩ።
ሱዑዲ ዓረብያ ኣብ ወደብ ዓሰብ እተካይዶ ወፍሪ ካብ ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ንላዕሊ ዝረአ እዩ። ምኽንያቱ ኣብቲ ብጂኦ-ፖለቲካዊ ስትራቴጂ ዝለዓለ ረብሓ ዘለዎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ክትፅብር ስለዘኽእላ። እዚ ምትእትታው ኣብ መንጎ ኤርትራን ሱዑድን ምሕነተን ክጥንክርን ኣብቲ ንዓለምና ንመራኽብ መተሓላለፊ (Maritime Route) ወሳኒ ዝኾነ ቀይሕ ባሕሪ ረብሕአን ክሕልዋ የኽእለን እዩ ይብል እቲ ፀብፃብ።
- ተቓውሞ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ው/ሕ/መንግስታት ኣብ ልዕሊ ሓዱሽ ጥምረት መንግስቲ ሱዳን
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 2017 ዓ/ም ኣብ ሱዳን ዘለዉ ዓመፅቲ ሓይልታት ኣብ ሃገረ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ሓዱሽ ሓበራዊ መንግስቲ ከም ዝመስረቱ ምፍላጦም ይዝከር። ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝፀውዖ ህፁፅ ኣኼባ ድማ ኣብ ሱዳን ሕድሕዳዊ ኲናት እናተኻየደ እናሃለወ ካሊእ ተናሕናሒ መንግስቲ ምጥያሽ ነቲ ዝቕፅል ዘሎ መህለቒ ኲናት ክጋደድ ዝገብር እዩ ብምባል ውድቂ ገይርዎ ኣሎ።
ቤት ምኽሪ ፀጥታ ነዚ ውድቂ ምግባሩ ስዒቡ ላእላዊ መንግስቲ ሱዳን ብሓጎስ ከም ዝተቐበሎ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ሱዳን ኣተሓሒዙ ከም ዝገለፆ፣ ሃገረ ኬንያ ላእላውነት ሱዳን ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕ ንተወርዋሪ ድጋፍ ወሃቢ ሓይልን ተቓወምቲ ውድባት ሱዳንን ሓበራዊ መንግስቲ ከጣይሹ ኣፈራሪማ እያ ኢሉ ጥርዓኑ ኣቕሪቡ። ካብዚ ብተወሳኺ ላእላዊ መንግስቲ ሱዳን፣ ሕቡራት ዓረብ ኤሚሬትስ ንዓማፂ ተወርዋሪ ድጋፍ ወሃቢ ሓይሊ ኩሉ ዓይነት ኣፅዋር ድጋፍ እናሃበት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰላማውያን ሰባት ክጭፍጨፉ፣ ልዕሊ 12 ሚልዮን ህዝቢ ካብ መረበቱ ክመዛበልን ክስደድን ከምኡ ’ውን ኣብታ ሃገር ኣዝዩ ከቢድ ዕንወት ክበፅሕ ገይራ እያ ብምባል ብገበን ጄኖሳይድ ኣብ ዓለምለኻዊ ገበነኛ ቤት ፍርዲ ከሲሱዋ ኣሎ ክብል ማዕኸል ዜና BBC ፀብፂቡ።